Fana: At a Speed of Life!

ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ 2012 ዓ.ም ኣብ ወርሒ ጉንበት ንምክያድ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ 2012 ዓ.ም ኣብ ወርሒ ጉንበት ንምክያድ ዘኽእል ምድላው እናገበረ ምዃኑ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣባል ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብዙወርቅ ከተተ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ እቲ ቦርድ ብሕጊ፣ ኣብ ትካላዊ ውዳበ፣ ብሓይሊ ሰብ፣ ብቀረብ ኣቕሑት መረፃ ዝበሉ ዘፈራት ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ከምብሓዱሽ ዝተወደበ ቦርድ ምረፃ፥ ትካላዊ ኣወዳድቡኡ ምስ ዝህልዉዎ በዝሒ ሰራሕተኛታትን ዓቕሚን ብምፍታሽ ትካላዊ ሪፎርም ምክያድ፤ ብኻሊእ መዳይ ድማ ዋና ስራሕ እቲ ቦርድ ዝኾነ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓዊ፣ ተኣማኒን ዴሞክራሲያዊን ብዝኾነ መልክዑ ብምክያድ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ዘኽእሎ ስራሕ እናሰርሐ ምዃኑ ወይዘሪት ብዙወርቅ ወሲኸን ሓቢረን።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተሳለጠ መረፃ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ልምዲ ብምውሳድ፥ ካርታ ጣቢያታት መረፃ ምድላውን ብመንደር ሽም ዝፅውዑ ጣቢያታት ቀዋሚነት ናብ ዘለዎ ስያመ ንኽመፅኡ እናተገበረ ይርከብ ኢለን።

ሓዱሽ ዝወፅአ ሕጊ መረፃ ስዒቡ እቲ ቦርድ ስርሑ ዝትግብረሎም ልዕሊ 20 መምርሒታት ዝተዳለዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ዘተ ከምዝግበረሎም እውን ገሊፀን።

ኣብ ወርሒ ጉምበት 2012 ዓ.ም ዝሳለጥ እቲ መረፃ ካብ 250 ሺሕ ክሳብ 300 ሺሕ ሰባት ብኣፈፃሚነት መረፃ ክሳተፉ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.