Fana: At a Speed of Life!

ብብር 170 ሚሊየን ወፃኢ ዝህነፅ ህንፃ ማእኸል መሰልጠኒ ኣየር ወለድ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብር 170 ሚሊየን ወፃኢ ዝህነፅ ህንፃ ማእኸል መሰልጠኒ ኣየር ወለድ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ።

ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ፥ ኣብ ትሕቲ ማእኸል መሰልጠኒ ፍሉይ ወፍሪ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣየር ወለድ ህንፀት ህንፃ ኣብ ቀጥሪ ሓይሊ ኣየር ከተማ ቢሾፍቱ እምነ ኹርናዕ ኣንቢሮም።

እቲ ዝህነፅ ህንፃ ዓቕሚ እቲ ቤት ትምህርቲ ንምጥንኻር ዘገልግል ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

እቲ ህንፃ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተሰሪሑ ከምዝዛዘም ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ሓፈሻዊ ከይዲ ስልጠና ሓይሊ ኣየር ወለድ ዑደት ዝተገበረ እንትኸውን፥ መሰልጠኒ ፍሉይ ሓይሊ ኣየር ወፍሪታት መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ስልጠና ኣየር ወለድ ምርኢት ዝላ ኣየር ወለድ ከምዝተኻየዱ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.