Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ብዘይኣፈላላይ ኢትዮጵያ ዘኽበርሉ ዓወት ኢዩ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ለካቲት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ብዘይኣፈላላይ ኢትዮጵያ ዘኽበርሉ ዓወት ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን። እተን ፕረዚዳንት፥ ዓወት ዓድዋ ባርነት ካብ ምኽሻፍ ንላዕሊ ኢዩ ኢለን።
ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ኣብ ምኒሊክ አደባባይ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ዓድዋ ብምርካብ ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ እቲ ዓወት ኣርማ ኩርዓት ህዝብታት ኢዩ ክብላ ገሊፀን።
ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ብዘይኣፈላላይ ኢትዮጵያ ዘኽበርሉን ኩሉ ነገር ትሕቲ ሃገር ከምዝኾነ ዘርኣዩሉን ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።
ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ አዳነች አቤቤ ብግደአን፥ ዓድዋ ምልክት ሰዓራይነት ኢዩ ኢለን።
ናይ ሎሚ ትውልዲ ካብ ኣቦታት ፅንዓትን ሕራነነን ብምውራስ ውሽጣዊ ሓድነቱ ብምጥንኻር ፅልኣት ብምስዓር ሃገርና ብሓባር ክንሃንፅ ይግባእ ኢለን።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.