Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣመራርሓታት ወረዳ ጉባ ድርብ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ተገንዚቦም ንኽሰርሑ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣመራርሓታት ወረዳ ጉባ ድርብ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ተገንዚቦም ክሰርሕ ይግባእ ከክብል ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኣተሓሳሲቡ።

ወረዳ ጉባ እቲ ዘዓበየ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ እናተሰርሐሉ ዝርከብ ቦታ ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ምስ ጎሮቤት ሱዳን ዝዋሰን ወረዳ እንትኸውን፥ ኣብ ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ንወረዳ ጉባ እውን በሰላ ከምዘስዐበን ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ስግኣት ፈጢሩ ከምዝነበረን እቲ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ።

ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓታት እቲ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኣብቲ ወረዳ ተረኺቦም ዝተገበረ ምሽግሻግ ኣመራርሓ ኣመልኪቱ መምርሒ ስራሕ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ዋና መተሓባበሪ ኮማንድ ፖስት እቲ ግብረ ሓይሊ ሌተናል ጄኔራል አስራት ዴኔሮ፤ ንወረዳ ጉባ ምቕያር ህይወት ህዝቢ ኢትዮጵያ ምቕያር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ጉባ ዝኽፈል መስዋእቲ ገዚፍ ኢዩ ዝበሉ እቶም መተሓባበሪ፥ ሓይሊታት ፀፅታ ኣብታ ወረዳ ብዙሕ መስዋእተ ከምዝኸፈለን እቲ ኣመራርሓ እውን ካብ ሓይሊ ፀፅታ ትምህርቲ ብምውሳድ ዘተኣማምን ሰላም ንኽመፅእ ኣጠንኪሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዓበይቲ ዓዲን ተሳተፍቲ እቲ ዘተን እታ ወረዳ እውን ናብ ስራሕ ዝመፅኡ ኣመራርሓታት “ደኺሙኒ ሰልኪዩኒ” እንተይበሉ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ብምርኣይ ንኸገልግሉ ሓቲቶም።

ህዝቢ እታ ወረዳ እውን ኢትዮጵያውያን ዝሃቡዎ ዓቢዪ ሓደራ ስለዘሎ ምስቲ ኣመራርሓ ብምትሕብባር ሓደርኡ ብግቡእ ንኽዋፃእ ኣተሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.