Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ ብር 16 ሚሊየን ዘውፅኡ ኣፋውስን ናይ ቦንዳ ክዳውንቲን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተኣትዉ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ ብር 16 ሚሊየን ዘውፅኡ ኣፋውስን ናይ ቦንዳ ክዳውንቲን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተኣትዉ ኣብ መቆፃፀር ጣቢያ ቱሉ ዲምቱ ተታሒዞም።

እቶም ኣፋውስን ናይ ቦንዳ ክዳውንቲን 13 ለካቲት 2013 ዓ.ም ለይቲ ብዝተገበረ ፍተሸ ኢዮም ክተሓዙ ክኢሎም፡፡

ገናሒ እታ ተሸከርካሪት እኽሊ ዝፀዓነ ብምምሳል እቶም ኣፋውስን ናይ ቦንዳ ክዳውንቲን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ምፍታኑ ሓላፊ መቆፃፀሪ ጣቢያ ቱሉ ዲምቱ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ቃሊቲ ኣየተ ዋርዮ ጉዮ ተዛሪቦም፡፡

እቶመ ኣፋውስ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ጉድኣት ዘስዕብ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.