Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምጅማር ጎስጓሽ መረጣ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምጅማር ጎስጓሽ መረጣ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ምኅባድ መነባብሮን ፀገም መንበሪ ኣባይቲን ንምፍታሕ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ብምሕንፃፅ እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪበን።

ፓርቲ ብልፅግና ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝርኢን ንሓበራዊ ምዕባለ ዝተግህን ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን።

እቲ ፓርቲ፥ ህብረ ብሄራዊነት ንሃገራዊ ሓድነት መፍትሒ ንምግባር ከምዝሰርሕ እውን ኣብሪሀን።

ብፍላይ ድማ ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝተፈጠረ ሓይሊ ለውጢ ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣብ ቀፃሊ እውን ንምዕባለ ህዝቢ ክሰርሕ ኢዩ ኢለን እተን ምክትል ከንቲባ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለስ ኣለሙ ብግደኦም፥ ብልፅግናን ለውጢን ክልተ ገፅ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ኢዮም ኢሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.