Fana: At a Speed of Life!

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ኣብ ኣጠቓቕማ  ክታበት ቫይረስኮሮና ዝረአ ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ ኮኒኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ 10 ሃገራት ዓለም 75 ሚኢታዊ ዝኸውን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተጠቐማ ገሊፆም።

እዚ ኣካይ ድማ ፍትሓዊነት ኣይረአየሉን ክብሉ ኮኒኖምዎ።

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፥ እቲ ክታበት አብ ኩለን ሃገራት ንዝርከቡ ዜጋታት ክታበት ንኽባፃሕ ንዝማዕበላ ሃገራት ተማሕፂኖም፡፡

እቶም ዋናፀሓፊ ምሕንፅንተኦም ዘቕረቡ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ኣድሂቡ ትማሊ ጉባኤኡ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ኢዩ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን 130 ሃገራት ዝኾነ ይኹን መጠን ክታበት ዘይምርካበን ዕላዊ ገይሮም፡፡

ኣበዚ ፈታኒ እዋን ፍትሓዊ ተበፃሕነት ክታበት ቫይረስኮሮና ሕቶ ሞራል ዘልዕል ኢዩ ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ንመፍታሕ ድማ ሃገራት ጉጅለ 20 ግብረ-ሓይሊ ህፁፅ እዋን ንኸጣይሻ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝርከባ 32 ሃገራት ትሕቲ 100 ዝኸውን ክታበት ምእዛዘን ተሓቢሩ፡፡

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.