Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅል መረፃ ቀንዲ ዛዕባ ፓርቲታት ፖለቲካ ሰብኣዊ መሰል ክኸውን ይግባእ – ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል ሻድሻይ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ቀንዲ ዛዕባ ፓርቲታት ፖለቲካ ሰብኣዊ መሰል ክኸውን ከምዝግባእ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኮሚሽን “ሰብኣዊ መሰላት ኣብ እዋን መረፃ” ብዝብል ሓሳብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዝቲ ኣሎ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዶክተር ዳንኤል በቀለ፥ ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ሰብ ኣዊ መሰል ቀንዲ ዛዕባ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፥ ኣብ እዋን መረፃ ሰለስተ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ከምዘተሓሳስቡዎ እውን ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም።

ምኽባር ተሳትፎ መረፃ ዜጋታት፣ ኣብ ከይዲ መረፃ ፍሉይ ትኹረት ዝደልዩ ዜጋታትን ተሳትፎ መረፃ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ዜጋታትን ነቲ ኮሚሽን ካብ ዘተሓሳስቡዎ ጉዳያት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.