Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጅቡቲ ዝተሃነፀ መፅንሒ ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲ ዶብ ተሳጋሪ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጅቡቲ ዝተሃነፀ መፅንሒ ዶብ ተሳጋሪ ፅዕነት ተሸከርከርቲ ኢትዮጵያ ተመሪቑ።

ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርት ኣይተ ኣወል ወግሪስ፥ ህንፀት እቲ መፅንሒ ተሸከርከርቲ እናዓበየ ምስ ዝመፅአ ኣቑሑት ኣታዊን ወፃኢን ድሌት ግልጋሎት ንምምላእ መንግስቲ ዘለዎ ቆራፅነት ዘርኢ ኢዩ ኢሎም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣሕዋት ሃገራት ብተግባር ዝደልየኦ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ንቅልጣፍ ዘለወን ድሌት ከምዘርኢ እውን ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ጅቡቲ ንመህነፂ እቲ መፅንሒን መስፋሕፍሒን ዝገበሮ ሓገዝ ድማ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርት ኣይተ ኣወል ወግሪስ፣ ኣምባሳደር ኢትጵያ ኣብ ጂቡቲ ብርሃኑ ፀጋየ፣ ሚኒስትር ነሰረተ ልምዓትን ትራንስፖርትን ጂቡቲ ሙሳ ሞሓመድን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልቲአን ሃገራትን ተረኺቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.