Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምምሕያሽ ታሪፍ ትራንስፖርት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ነዳዲ ዝተርኣየ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ግምት ብምእታው ምምሕያሽ ታሪፍ ትራንስፖርት ከምዝተገበረ በዓል መዚ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ዘሃቦ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ፥ ኣብ ዘሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዋጋ ነዳዲ ብር 5 ነጥቢ 9 ወሰኽ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኣብ ሚኒባስ፣ ሃይገርን ማእኸለዎት ኣውቶቡሳትን ምምሕያሽ ታሪፍ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ መመሓየሺ ወሰኽ ዘይተገበረሎም መስመራት ከምዘለዉ እውን ተገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ኣብ ሚዲባስ ወይ ድማ ሃይገርን ማእኸለዎት ኣውቶቡሳትን ዝተመሓየሸ ታፍ ክሳብ 8 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝነበሮ ብር 3 ክቕፅል ዝተወሰነ እንትኸውን፥ ካብ 8 ኪሎ ሜትሮ ንላዕሊ ዘለዉ ታሪፋት ድማ ብረ 1 ወሰኽ ተገይሩ።

ኣብ ሚኒ ባስ ካብ ኮድ 1ን 3ን ዝምልከት ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ብር 2 ዝነበረ ኣብ ዘለዎ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ 2 ነጥቢ 6 ክሳብ 5 ኪሎ ሜትሮ ብር 4 ዝነበረ 4ን 50 ሳንቲምን፣ ካብ 5 ነጥቢ 1 ክሳብ 7 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ብር 6 ዝነበረ ብር 6ን 5 ሳንቲምን ክኸውን ተገይሩ።

ካብ 7 ነጥቢ 6 ክሳብ 10 ኪ.ሜ ብር ዝነበረ ብር 9 ከምኡ እውን ካብ 10 ነጥቢ 1 ክሳብ 12 ነጥቢ 5 ኪ.ሜ ብር 10 ዝነበረ ብር 11 ኮይኑ፡፡

ብሸገር ኣንበሳን ሓገዝ ወሃብቲ ናይ ብዙሓት ትራንስፖርት ድማ እቲ ከተማ ምምሕዳር ኣብ ዓመት 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ድጎማ ብምግባር ኣብ ዝነበሩዎ ዋጋ ንኽቕፅሉ ተገይሩ።

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.