Fana: At a Speed of Life!

መንግሳታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ታሪኽን ክልቲአን ሃገራት መሰረት ዝገበረ ስምምዕነት ክገብራ ይግባእ- ሙሁራት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉዳይ ዶብን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘድሃበ ዘተ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ተኻይዱ።

ኣብቲ ዘተ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ጎንደርን ካብ ዩኒቨርሲቲ ካርቱምን ዝመፅኡ ሙሁራን ተሳቲፎም።

ካብ ክልቲኦም ዩኒቨርሲቲታት ዝመፅኡ ክልተ ሙሁራን ድማ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር መበገሲ ፅሑፍ ዘቕረቡ መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ማሕበረሰብ ዶክተር ቡሻ ታኦ፥ ሕድ ሕድ ርክብ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘበናት ዘቑፀረን ኣብ ምትሕስሳብ ዝተመሰረረተን ኢዩ ኢሎም።

ነዚ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ካሊእ ፅሑፍ ዘቕረቡ መምህር ዩኒቨርሲቲ ካርቱም ዶክተር ኦማር ኣል ኣሚን ብግደኦም፥ መንግስታት ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ታሪኽን ክልቲአን ሃገራት መሰረት ዝገበረ ስምምዕነት ክገብራ ከምዝግባእን ሙሁራት

እውን ኣብ ፅቡቕ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክሰርሑ ከምዝግባእን ገሊፆም።

ከምዚ ዝበሉ ልዝባት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ጋሻው ኣንዳርጌ ተዛሪቦም።

ብጳውሎስ ኣየለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.