Fana: At a Speed of Life!

25 ናይ ገጠር ከተማታት ካብ ሓይሊ ፀሓይ ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ዝገብር ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)25 ናይ ገጠር ከተማታት ካብ ሓይሊ ፀሓይ ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ኣብቲ መድረኽ ስምምዕነት ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ከምኡ እው ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም፡፡

ኣብ ሸሞንተ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተመረፃ ናይ ገጠር ከተማታት ህንፀቱ ከምዝሳለጥ ዝተገለፀ እቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 145 ሺሕ ሓደሽቲ ዓማዊል ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክገብር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ህንፀት ካብ ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ ካብ ዝተረኸበ 20 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽፈን ብር 161 ሚሊየን ከምዝስራሕ ተገሊፁ፡፡

ህንፀቱ ድማ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክዛዘም ኢዩ ዝተብሃለ እንትኸውን፥ ብሰለስተ ኩባኒያታት ቻይናን ሓደ ኩባኒያ ኮሪያን ክሳለጥ ኢዩ፡፡

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.