Fana: At a Speed of Life!

ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ትግራይን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ብዝተፈላለዩ ፀገማት ንዝተመዛበሉ ወገናት 15 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ትግራይን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ብዝተፈላለዩ ፀገማት ንዝተመዛበሉ ወገናት 15 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ክልል ትግራይን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ብዘጋጠሙ እዋናዊ ፀገማት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ሓገዝ ንክግበር ብመሰረት ዝሃቦ ውሳነ ኢዩ እቲ ደገፍ ተገይሩ ተባሂኩ።

ብኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኮሚሽን ልማዓትን ክርስቲያናዊ ተራድኦን ኣቢሉ ኣብ ትግራይን ቤኒሻንጉልን ንዝግበሩ ሰብኣዊ ደገፋት ናይ 81 ሚሊየን ብር ፕሮጀክት ተቐሪፁ ይሳራሕ ከምዞሎ ተገሊፁ።

ካብዚ ውሽጢ  35 ሚሊየንን 940 ሺሕን ብር  ደገፍ ፋይናንስ   ተረኺቡ ተግባራዊ ሥራሕ ከምዝተጀመረ ኮሚሽነር ኣየተ ይልቃል ሽፈራው ገልፆም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ወረዳ ራያ ን6 ሺሕን 500 ዝተፀገሙ ወገናት ናውቲ ገዛ ይዕደል ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.