Fana: At a Speed of Life!

ፈነወ ቢቢሲ ኣብ ቻይና ከይመሓላለፍ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ፈነወ ቴሌቪዥንን ሬድዮን ቢቢሲ ዎርልድ ኒውስ ኣብታ ሃገር ንከይመሓላለፍ ከምዝኣገደት ተገሊፁ።

ቢቢሲ ኣብ ለበዳ ቫይረስኮሮናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዊገር ዝበፅሕ ግፍዕን ኣመልኪቱ ንዘቕርቦም ፀብፃባት ክትከስስ ዝፀንሐት ቻይና፥ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ፈነውኡ ክቋረፅ ከምዝኣዘዘት ተሓቢሩ።

ቢቢሲ ነቲ ውሳነ ዘጕሂ ክብል ምላሽ ሂብሉ ኣሎ ተባሂሉ።

እቲ ስጉምቲ፥ እንግሊዝ ንፍቓድ መንግስታዊ መደበር ቴሌቪዥን ሲጂቲኤን ድሕሪ ምስራዛ እዩ ተወሲዱ።

ትካል ምቁፅፃር መራኸቢታት እንግሊዝ፣ ኦፍኮም ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ነቲ ስጉምቲ ኣብ ዝወሰደሉ፥ ስታር ቻይና ሚድያ ዝተባህለ ትካል በቲ ንሲጂቲኤን ዝተዋህበ ፍቓድ ክሰርሕ ከም ዝረኸቦ ኣፈሊጡ ነይሩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.