Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ያፕራክ አልፕ ተዛቲዮም።

ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጠንካራ ርክብ ከምኡውን ብዙሕ ኣጀንዳታት ተደጋገፈን ይሰርሓ ከምዘለዋ ብምሕባር፥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምውጋእ ኢትዮጵያ እተበርክቶ ዘላ ዝጎልሀ ግደ ቱርኪ ደገፋ ክትቅፅል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝተተሓሓዘ፥ መንግስቲ ቱርኪ ሉዓላዊነት ንምኽባር ንዝወሰዶ ቅዋም ንኢዶም።

መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ብምብፃሕ መሊሱ እግሪ ብምትካልን ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 26 ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ተዋፊሮም ደገፍ ይገብሩ ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተፃራሪ መንግስቲ ተበፃሕነት ሓገዝ ከምዝኸልከለ ናይ ሓሶት መረዳእታ ዝውዝዑ ኣካላት ከምዘለዉ ኣይተ ደመቀ ኣብሪሆም።

ኢንቨስትመንት ብዝምልከት ሰብ ሃፍቲ ዘጋጥሞም ፀገማት ንምፍታሕ ብብርኪ ፌዴራል ዝተጣየሸ ኮሚቴ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትጵያ ያፕራክ አልፕ ብግደአን፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝርድኣን ከምኡ ውን መንግስቲ ኣብቲ ክልል ብመሰረት ዘቐመጦ መምርሒ ሓገዝ ንምሃብ ድልየት ዘለዎም ትካላት ኣብ ቱርኪ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.