Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝነበሩ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣለም ደስታ ክሲ ክምስረት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝነበሩ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣለም ደስታ ክሲ ክምስረት ኢዩ።

እቶም ተረርጣሪ ሎሚ መዓልቲ ደርሕሪ ሰዓት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ንዓቃቢ ሕጊ ክሲ መመስረቲ መዓልቲ ፈቒዱ።

ተጠርጣሪ መስ ኣመራርሓታት ህወሓት ናይ ትፍኣት ልኡኽቶ ተቐቢሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መጥቃዕቲ ንምብፃሕን ሃገር ንምፍራስን እናተንቀሳቐሱ ነይሮም ተባሂሎም ብክትትል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ካብዝተሓብኡሉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ ኣናተገበረሎም ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።

መሳርሒታት ንጉጅለ ህወሓት ካብ ምቕባል ብተወሳኺ ሃገር ንምፍራስ ምስ ኣመራርሓታት ህዋሓት ብምውዳድ እናሰርሑ ከምዝነበረ መርማሪ ፖሊስ ንቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ኣብሪሁ ኢዩ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ብዝገበሮ ምርመራ ቴክኒክ እውን ተጠርጣሪ ኣብ ክልል ኦሮሚያ መረፃ ከይካየድ ምስ ኦነግ ሰኔ ብምትሕብባር ምስረሖም ዘመላኽቱ ብክልተ ሞባይል ስልኮም ዝገበሩዎ ልውውጥ ስልኪን ዝተፈላለዩ መልእክቲታትን ምርካቦም ፖሊስ ገሊፁ ኢዩ።

የህወሓት አመራሮች ለኦነግ ሸኔ ሲያደርጉ ለነበሩት የገንዘብ እና የመሳሪያ ድጋፍ በትብብር ስለመስራታቸው በቴክኒክ ማስረጃም መቅረቡ ተገልጿል።

ካብዚ ብተወሳኺ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ካብ ስልጣን ንምውራድ ደገፍቲ ህወሓት ምስ ዝኾኑ ኣመራርሓታት ክልል ሶማሌ ዝነበሮም ርክብ ዝተመልከተ እቲ ቴክኒክ ሓበሬታ፥ ብፍላይ ድማ እኒ ኣብዱልፈታ መሓመድ ንጥምረት ገበንን ተሳትፎን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፅኡ ብምግባር ክፍሊት ሆቴልን ሓገዝ ገንዘብን ምግባሮም እውን ገሊፁ።

ንኣመራርሓታት ህወሓት ዝነበሮም ልውውጥ ሓበሬታ ዘመላኽ ምርመራ ቴክኒክ ውፅኢት እውን ተተሓሒዡ ቀሪቡ።

ቅድሚ ሕዚ እውን ምስ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ፣ ስብሓት ነጋ፣ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል፣ ጌታቸው ረዳን ኣመራርሓታት ኦነግ ሸኔን ዝነበሮም ልውውጥ ስልኪ ዝገልፅ ብብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምርመራ ቴክኒክ ተገይሩ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡ ኣፍሊጡ ኢዩ።

በዚ መልክዑ እናተሳለጠ ዝነበረ ምርመራ ምዝዛሙ ኢዩ መርማሪ ፖሊስ ሎሚ መዓልቲ ንመጋባእያ ዘረደአ።

ኣብቲ መጋባእያ ምስ መርማሪ ፖሊስ ዝቐረበ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እውን ብመሰረት ስነ-ስርዓት ሕጊ ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን እናተፈፀመ ዝነበረ ገበን ክብደቱን ስፍሓቱን ከምኡ እውን ዝተሓዋወሰ ስለዝኾነ ነቲ መዝገብ ተዓዚቡ ክሲ ንምምስራት ተወሳኺ መዓልቲታት ከምዘድሊዩዎ ንመጋባእያ ኣብሪሁ።

ጠበቓ ተጠርጣሪ ድማ ክሳብ ሕዚ እናተሰርሐ ዝፀንሐ ምርመራ ዓቃቢ ሕጊ እውን ምስ ፖሊስ ኮይኑ እናመርመረ ከምዝነበረ ንፈልጥ ኢና ስለዝኾነ ድማ ከምብሓዱሽ ነቲ መዝገብ ክሪኦ ምባሉ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።

ብተወሳኺ ድማ እቲ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ክሳብ ሕዚ ዝእክቦ ዝነበረ ሓበሬታ ምዝዛሙ ኣብ ውሽጢ ግምተ ብምእታው ዋሕስ ክፍቀደሎም ይግባእ ክብሉ ሓቲቶም።

ነቲ ጉዳይ ዝተዓዘበ ቤት ፍርዲ ድማ ሕቶ ዋሕስ ብምሕላፍ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ንኽምስርት 14 መዓልቲ ፈቒዱ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.