Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ጥዕና ዘድሃበ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምድላው ዝርከብ ረቂቕ ኣዋጅ ጥዕና ዘድሃበ ልዝብ ተኻይዱ።

እቲ ኣብ ምድላው ዝርከብ ረቂቕ ኣዋጅ ጥዕና፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ንዝረኣዩ ክፍተታት ዘስተኻኽልን ሓፈሻዊ ስርዓት ጥዕና ዘጠናኽርን ኢዩ ተባሂሉ።

ከዚያም ባለፈ ቀደም ሲል በወጡ የጤና አዋጆች ያልተካተቱ አንዳንድ የጤና አገልግሎቶችን ህጋዊ ማዕቀፍ እንዲኖራቸው ያስችላል ተብሏል

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ዝወፅኢ ኣዋጃት ጥዕና ዘይተኻተቱ ሓደሓደ ግልጋሎታት ጥዕና ሕጋዊ ማዕቐፍ ንኽህልዎም ዝኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ዘተ ምድላው እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዝተኸባ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ንምድላው ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ናይ ምዝታይን ምምኻርን ስራሕቲ ካብ ምስራሕ ጀሚሩ ብዙሓት ከይዲታት ከምዝተሓለፈ ተዛሪበን።

እቲ ኣዋጅ ቅድም ክብል ብኣዋጅ ዘይተኻተቱ ግልጋሎታት ጥዕና ሕጋዊ ማዕቐፍ ንኽህልዎም ዘኽእል፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንሓፈሻዊ ስርዓት ጥዕና ከጠናኸሩ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ድንጋገታት ኣለዉዎ ኢለን።

ምስ ካልኦት ሕጊታትን ኣዋጃትን እታ ሃገር እናተመሳኸረ ከምዝተዳለወን እቲ ናይ ሕዚ ዘተ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጥዕና ተፀዋዕቲ ትካላትን ተዛቲዮም ሓደሽቲ ምኽረ ሓሳባትን ውሳነታትን ንኽህቡሉ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.