Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ብኽፋል ይኹ ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት መሃብ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት መሃብ ይጅምሩ ኣለዉ – ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብኽፋል ይኹ ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት መሃብ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ናብ መሃብ እናተመለሱ ምዃኖም ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

እተን ትካላት ጥዕና ናብ ኣገልግሎት ንምምላስ ሚኒስቴር ጥዕናን ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ምስ መሓዙት ትካላትን ካልኦት መንግስታዊ ትካላትን ብምትሕብባር መዓልታዊ ሓገዝን ክትትልን እናገበረ ከምዝርከብ ዶክተር ሊያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ገሊፀን፡፡

ትካላት ጥዕና ናብ ኣገልግሎት ንምምላስ ዘኽእሉ ኣፋውስን መገልገልቲ መሳርሒታት ሕክምናን ዘከፋፍላ ጨንፈራት ቀረብ መድሓኒት መቐለን ሽረን፥ ዝርገሐ እታወት ንኽቀላጠፍ ብሙሉእ ዓቕመን እናሰርሓ ከምዝኆና ገሊፀን ኣለዋ፡፡

ናብ ኣገልግሎት እንተኣትዋ ድማ ፀገም ቀረብ ደም ከይፍጠር ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ባንኪታት ደም ናብ ስራሕ ምእታው ከምዝተኸኣለ እውን ኣብሪሀን፡፡

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከባ ባንኪታት ደም ክሽፍኑ ዘይኽእሉ ድሌታት ድማ ካብ ማእኸል ደም እናተለኣኸ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተገበረ ሓገዝን ክትትልን ዝርገሐ እታወት መድሓኒት ተገይሩ ናብ ስራሕ ዝኣተዋ ትካላት ጥዕና 88 ከምዝበፅሓ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን፡፡

ኣብ ሓሙሽቲአን ዞባታት ካብ ውሽጢ ዝርከባ 40 ሆስፒታላት፥ 15 ሆስፒታላት ሙሉእ ብሙሉእ፤ 5 ሆስፒታላት ድማ ብኽፋል ኣገልግሎት እናሃባ ከምዝርከባ ዶክተር ሊያ ኣብሪሀን፡፡

ካብ ዘለዋ 224 ጣቢያታት ጥዕና ድማ እተን 68 ጥዕና ጣቢያታት ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመራ ተዛሪበን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.