Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ጉምሩክ ዘበናዊ ስርዓት ልውውጥ ሓበሬታ ንምትግባር ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክን ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዘበናዊ ስርዓት ልውውጥ ሓበሬታ ንምትግባር ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ኣብተቲ ስነ-ስርዓት ፊርማ ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ደበሌ ቀበታ፥ ሐበሬታ ብግቡእ መሓዝ፣ ምልውዋጥን ምትንታንን እንተተኻኢሉ ዝሐሸ ኣገልግሎት ካብ መሃብ ሓሊፉ ዘይሕጋዊ ነጋዶ ናብ ሕጋዊ ስርዓት ንምእታው ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ስለዝኾነ እቲ ስምምዕነት ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኮሚሽን ኣብ ኣተሓሕዛን ልውውጥን ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝርከቡ መንግስታዊ ትካላት ብተወሳኺ ምስ ኮሚሽን ጉምሩክ ቻይና ሓበሬታ ንምልውዋጥ ስምምዕነት ተፈራሪሙ ናብ ተግባር ከምዘኣተወ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ምኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ብግደኦም፥ ዘበናዊን ፅሬቱ ዝሓለወን ሓበሬታ ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊ ዕቤትን ማሕበራዊ መስተጋብርን ሃገር ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ስለዝኾነ፤ ዝኾነ ይኹን ትካልን ውልቀ ሰባትን ንሓበሬታ ዘለዎም ኣተሓሳስባ ከመሓይሹ ይግባእ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.