Fana: At a Speed of Life!

ሆስፒታል ኣዶታትን ህፃናትን ኣበበች ጎበና ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበየን ዘበናዊን ዝተብሃ ሆስፒታል ኣዶታትን ህፃናትን ኣበበች ጎበና ተመሪቑ።

እቲ ሆስፒታል፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ መሪቐንኦ፡፡

ብብር 700 ሚሊየን ወጻኢ ዝተሃነፀ ሆስፒታል እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጡ ልዕሊ 400 ደቂስካ መሐከሚ ዓራታት ዘካተተ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ 22 ሺሕ ካሬ መሬት ዝዓረፈ እቲ ሆስፒታል፤ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ኣዶታት ብመጥባሕቲ ምውላድ ዘኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ኢዩ።

ብተወሳኺ ድማ 100 ማእኸላት መውሃቢ ኣገልግሎት ምርምር ዘካተተ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መዓዛ ኣሸናፊ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ናይ ክብሪ ዶክተር ኣበበች ጎበና ሓዊሱ ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.