Fana: At a Speed of Life!

ወኪል ሚዲያታት ወፃኢ ብምዃን ትሰርሕ ነይራ ዝተብሃለት ሉሲ ካሳ ብሕጋዊነት ተመዝጊባ ኣይተንቀሳቐሰትን – መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኢፍ.ቢ.ሲ)ወኪል ሚዲያታት ወፃኢ ብምዃን ትሰርሕ ነይራ ዝተብሃለት ሉሲ ካሳ ብሕጋዊነት ተመዝጊባ ትንቀሳቐስ ከምዘይነበረ መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ።

ዶብ ኣልቦ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣብ እዋን ፀብፃቡ ብዘይተፈለጠ ውልቀ ሰብ መጥቃዕቲ በፂሑዋ ኢሉ ዝፀርሓ ሉሲ ካሳ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ሚዲያታት ብሕጋውነት ዝውክል ፍቓድ ከምዘይብላ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ፀሪሑ መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ገሊፁ።

እቲ መፃረዪ ሓበሬታ፥ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ብድሕንነትን ናፅነትን ናይ ምንቅስቃስ መሰሉ ዝተሓለወ ከምዝኾ ገሊፁ።

ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ፍሪላንስ ጋዜጠኛ ሉሲ ካሳ ኣብ እዋን ፀብፃብ ምስ ትፅብፅሉ ኩነታት ተተሓሒዙ መጥቃዕቲ በፂሑዋ ብዝብል ከምኡ እውን ወኪል ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ፣ ኣልጀዚራን ኖርዌይ ሚዲያን ኢያ ኢሉ ሓበሬታ ኣውፂኡ ነይሩ ኢሉ።

እቲ መርማሪ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ሚዲያ ብምውካል ምንቅስቓስ ዝደሊዩ ጋዜጠኛታት ብበዓል መዚ ብሮድካስት ተመዝጊቡ ሕጋዊ ምዃኑን መለለዩ ሚዲያ ይሕለፍ ምሓዝ ከምዝግበኦም ኣፍሊጡ።

ይኹ እምበር ሉሲ ካሳ ብበዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ሕጋዊ ምዝገባ ገይሮም ካብ ሞንጎ ዝንቀሳቐሱ ናይ ወፃኢ ሚዲያ ወኪላት ከምዘይኮነት ኣገንዚቡ።

እቲ ጉጅለ ሉሲ ካሳ ኣብ ኣልጀዚራን ካልኦት ናይ ወፃኢ ሚዲያታትን ብውክልና ትሰርሕ ነይራ ኢሉ ዘውፀኦ ሓበሬታ እውን ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ቅድሚ ምፍናዉ ሓቀኛ እቲ ሓበሬታ የማንን ፀጋምን ኣፃርዩ ከውፅእ ከምዝነበሮ እውን እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.