Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ልምዓት ካናዳ ካሪና ጎልድ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ልምዓት ካናዳ ካሪና ጎልድ ተዛቲየን።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ እናተገበረ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን እቲ ክልል መሊሱ ንምጥያሽ ሰፋሕቲ ፃዕሪታት ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ ክልል ዝርከባ 36 ወረዳታት ኣብ ዝተኸፈቱ 92 ጣቢያታት መከፋፈሊ ምግቢ እናተኻየደ ብዛዕባ ዘሎ ህፁፅ እዋን ዝርገሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪተን ተዛቲየን፡፡

ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ምስ መሓዙት ኣካላት ናይ ምስራሕን ምትሕብባርን ኣንፈታት ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ዝቕፅሉሉ ኣግባብ ብዝርዝር ምዝታየን እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ርክብ ንምጥንኻር ብሓባር ከምዝሰርሑን እዚ ንምትግባር ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሓን ወይዘሮ ሙፈሪያት ገሊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.