Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 36 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 92 ጣቢያታት መከፋፈሊ ምግቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ እናበፅሐ ይርከብ – ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 36 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 92 ጣቢያታት መከፋፈሊ ምግቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ እናበፅሐ ከምዝርከብ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 26 ምስ ዝኾኑ ዓለም ለኸ መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኮኑን ትካላት ብምትሕብባር ቅልጡፍ ዝርገሐ ምግቢ ንምብፃሕ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝርከብ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

70 ሚኢታዊ ቀረብ ምግቢ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሸፈነ እንትኸውን፥ ዝተረፈ 30 ሚኢታዊ ድማ ብትካላት ልምዓትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ዝተሸፈነ ኢዩ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ 2 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ዜጋታት ተረባሕቲ ኮይኖም ኢሉ፡፡

ንህፃናት፣ ኣዶታትን ኣረጋውያንን ቀረብ ሃነፅቲ ምግቢ ብዝበለፀ ንምስፍሕፋሕን ምግቢ ትንከፍ ዘይኮኑ ቀረባት ብዝተደለየ ምልክዑ ንምቕራብን ምስ መሓዙት ኣካላት ብቐረባ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀፃሊ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቑሑትን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.