Fana: At a Speed of Life!

ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ብዘብፀሖ ጉድኣት እዛ ሃገር ካብ ኣገልግሎት ልዕሊ 2 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ስኢናኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3  የካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ብዝፈፀሞ ገበን ክሕደት ሃገር ኣብ ልዕሊ ክፍሊ ሰሜን እዛ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታት ብዘብፀሖ ጉድኣት ትካላት ካብ ኣገልግሎት ክረኽብኡ ዝነበረን  ልዕሊ 2 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ከምዝሰኣና ኮሚሽንፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜንን ኣብ ሓለዋ ትካላት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ገበን ክሕደት ሃገር ከምዝፈፀመ እቲ ኮሚሽን ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ትካላት ኢትዮ-ቴሌኮም፣ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ሓይሊ፣ ኢትዮጵያ ነዳጅ ኣቕራቢ ትካል፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርፖርቲታት ትካልን ከምኡውን  ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብዝርከብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ልዑል ጉድኣት ከምዘብፀሐ እቲ  ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኢትዮ ቴሌኮም እቲ ጁንታ ብዘብፀሖ ጉድኣት፥ እቲ ትካል ክረኽቦ ካብ ዝግባእ 1 ቢሊየንን 370 ሚሊየንን 828 ሺሕን 689 ብር ከምዝሰኣነ  ብምርመራ ከምዝተረጋገፀ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ክበፅሕ ዝነበረ ግምቱ ልዕሊ 39 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ዝኾነ መጥቃዕቲ ኢንተርኔት ከምዘኽሸፈ  ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሰሜን ኣብ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታት  ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ እቲ ጉጅለ ብዘብፀሖ ጉድኣት እቲ ትካል 329 ሚሊየንን 167 ሺሕን 524  ብር ከምዝሰኣነ  ተረጋጊፁ ኢሉ።

በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ወልቃይት ንኡስ ጣቢያ፣ ማይጨው ንኡስ ጣቢያ፣ ኣላማጣ ንኡስ ጣቢያን ኣሸጎዳ መቐለ ንኡስ ጣቢታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዕንወት ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ኣብተን ንእሳን ጣብያታት ዝበፅሐ ጉድኣት ኣብቀፃሊ ናብ ገንዘብ ተገቢጡ ከምዝግለፅ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ነዳዲ ኣቕራቢ ትካል ብዝበፅሐ ጉድኣት  14 ሚሊየን 49 ሺሕን 70 ሊትሮ ነዳዲ ካቭ መቐለ ነዳዲ ዴፖ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ  ተቐዲሑ ዝተወሰደ እንትኸውን፥ በዚውን 258 ሚሊየንን 190 ሺሕን 998 ብር ከምዝተስኣነ ብምርመራ ተረጋጊፁ ኢሉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርፖርቲታት ትካልን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ባህር ዳርን ጎንደርን አውሮፕላን መዕረፊ ብዝተተኮሰ ሮኬት ኣብ ለዕሊ መሰረተ-ልምዓት  43 ሚሊየንን 349 ሺሕን 784 ብር ዝግመት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ገሊፁ፡፡

ብተወሳኺ ናብ ባህርዳር፣ ጎንደር፣ ኣክሱም፣ መቐለ፣ ሑመራ፣ ደሴ፣ ላሊበላ፣ ሰመራን ሽረን በረራ ብዘይምግባሩ ምኽኒያት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክረኽቦ ዝግባእ ኣታዊ 147 ሚሊየንን 640 ሺሕን 223 ብር ዝሰኣነ እንትኸውን፥ ክሊቲኦም ትካላት ብድምሩ 190 ሚሊየንን 990 ሺሕን 8 ብር  ዝግመት ገንዝብ ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ኣብ መቐለ ጨንፈር ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝርከብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ሰራሕተኛ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ብምጠቃም ኣብቲ እዋን ሓላፊ ቢሮ ከተማ ልምዓትን ንግዲን ኢንዳስትሪን እቲ ክልል ብዝነበሩ ዶክተር ኣብርሃም ተከስተ ትእዛዝ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ 800 ሚሊየን ብር ኣውፂኦም ዝተወሰዱ ከምዝኾኑ ብምርመራ ዝተረጋገፀ እንትኸውን ካብቲ ባንኪ ዝወፅአ ገንዘብ ኣበይ ከምዝኣተወ ኣብ ቀፀሊ እቲ ምርመራ እንትዛዘም ዝግለፅ ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ብሓፈሻ ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ብዝፈፀሞ ገበን ክሕደት ሃገር ኣብ ልዕሊ ክፍሊ ሰሜን እዛ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታት ብዘብፀሖ ጉድኣት ትካላት ካብ ኣገልግሎት ክረኽብኡ ዝነበረን 2 ቢሊየንን 949 ሚሊየንን 177 ሺሕን 220 ብር ከምዝሰኣና ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.