Fana: At a Speed of Life!

ዋና ኣፈጉባኤን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ክልል ቤኒሻናጉል ጉምዝ ካብ ሓላፍነቶም ተላዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ክልል ቤኒሻናጉል ዋና ኣፈጉባኤን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን እቲ ክልል ኣይተ ታደሰ ተረፈ ጉምዝ ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒሉ።

እቲ ፓርቲ ውልቃዊ ባህጎም ንምምላእ ”ብልፅግና ኣሃዳዊ ኢዩ” ብዝብል ኣብ ክልተ ቦታ ብምርጋፅ ህዝቢ እንትብድሉ ዝነበሩ ኣመራርሓታት ከምዝነበሩ ገምጊሙ።

ጉባኤ ላዕለዎትን ማኸለዎትን ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ቤኒሻናጉል ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ፖለቲካን ሰላምን ብዝምልከት ኣብ ከተማ ኣሶሳ ንሰለስተ መዓልታት ከካይዶ ዝፀንሐ ጉባኤ በዓል ትሸዓተ ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ዛዚሙ።

ኣብቲ ዝተኻየደ መድረኽ ገምጋም ዋና ኣፈጉባኤን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን እቲ ክልል ኣይተ ታደሰ ተረፈ ጉምዝ ካብ ሓላፍነቶም ከምዘልዓለ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.