Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢን መንግስቲን ክልል ዓፋር ብር 9 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ሓገዝ ኣቑሑት ምግቢ ንክልል ትግራይ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ህዝቢን መንግስቲን ክልል ዓፋር ብር ትሽዓተ ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ሓገዝ ኣቑሑት ምግቢ ንክልል ትግራይ ኣረኪቡ።

እቲ ሓገዝ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኤለማ ኣቡበከር ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣረኪቦም።

እቶም ኣቑሑት ምግቢ ሩዝ፣ ሕሩጭ ፉርኖ፣ ሽኮርን ተምሪን እንትኸውን፥ ብሓፈሻ ድማ 2 ሺሕን 700 ኩንታል ኩንታል በዝሒ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ክልል ዓፋር ንዝገበሮ ሓገዝ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ምስጋና ዘቕረቡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ “ህዝቢ ዓፋር ሓው ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ኣርኢዩ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣይተ ኤለማ ኣቡበከር ብግደኦም፥ ክልሎም ንትግራይ ዘለዎ ምሕዝነት ኣጠናኺ ከምዝቕፅል ብምርግጋፅ እቲ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.