Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ተቐማጥነቶም ኣብ ኢትጵያ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣድሂቦም ገለፃ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተቐማጥነቶም ኣብ ኢትጵያ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካ ብዝተፈላለዩ ጉዳይ ክልል ትግራይ፣ ግድብ ህዳሰ፣ መረፃን ኣብ ጉዳይ ኢትዮ ሱዳንን ኣድሂቦም ገለፃ ገይሮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ከይዲ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርከበሉ ኩነታት ንዲፕሎማሰኛታትን ኣምባሳደራትን መብርሂ ሂቦም፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ዝቕፅ ዝካየድ መረፃ ዝምልከት ሓፈሻዊ ምድላው ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣብ እዋን እቲ ገለፃ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለን ቀዋሚት ተፀዋዒት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ወይንሸት ታደሰን ብኣደራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝቐፀለ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሐሉ ብርኪ ኣመልኪቶም ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.