Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ማላዊ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ተሓባቢሩ ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ማላዊ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ተሓባቢሩ ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ ገሊፁ።

ምክትል መራሒ እቲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ማላዊ ኣምባሳደር ሲራጅ ረሺድ ምስ ቀዋሚ ተፀዋዒ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ሉኪ ሲክውዜ ዘቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ንምኽባርን ንሓይሊ ጁንታ ናብ ፍትሒ ንምቕራብን ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ምዝዛሙ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን መሊስካ ንምህናፅን ገበነኛታት ሃዲንካ ናብ ፍትሒ ንምቕራብን መንግስቲ እናሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ማላዊ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ እውን ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብ 2007 ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ቀፃሊ ሓበራዊ ኮሚሽን ኣብ 2019 ንምክያድ ዝነበረ ትልሚ ብ ቫይረስ ኮሮናን ካልኦት ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ዘይምክያዱ ተገሊፁ፡፡

ቀዋሚ ተፀዋዒ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ሉኪ ሲክውዜ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ንምኽር ዘካየዶ ወፍሪ ብቐረባ እናተኸታተሎ ከምዝነበረን ኣብ ሓፂር እዋን ምዝዛሙን ከምዘጎሶምን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያን ማላዊን ታሪኻዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ምዃነን፤ ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ንምግባርን ማላዊ ምስ ኢትዮጵያ ተቐራሪባ ከምትሰርሕ ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.