Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ “ተምሳሌት ቱባ ወግዒ ዓወት ዓድዋ” ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ “ተምሳሌት ቱባ ወግዒ ዓወት ዓድዋ” ይካየድ ኣሎ።

ሓደ ኣካል ኣከባብራ መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ዝኾነ “ተምሳሌት ዓወት ዓድዋ” ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ዝተፈላለዩ ምሁራት ታሪኽን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ብመንፅ ታሪኽ ዶክተር ኣቢይ ሓሰንን ሓገዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው፤ ካብ ማሕበራዊ ርድኢት መጋቢ ሃዲስ እሸቱ ኣለማየሁን ዶክተር ወዳጄነህ መሃረነን መበገሲ ሓሳብ እናቕረቡ ይርከቡ፡፡

መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ክሳብ 30 ለካቲት ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ብምዝካር ከምዝካየድ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.