Fana: At a Speed of Life!

ብልዕሊ 1 ነጥቢ 9 ቢሊየን ወፃኢ ዝህነፅ ፕሮጀክት መገዲ ዱራሜ – ዳንቦያ – ኣንጋጫ – ኣመቾ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት ህንፀት መገዲ ዱራሜ – ዳንቦያ – ኣንጋጫ – ኣመቾ ዋቶ ሃላባ ብዕሊ ተጀመሩ፡፡

ብብርኪ ኮንክሪት ኣስፋልት ዝህነፅ እቲ ፕሮጀክት መገዲ፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓማውቲ ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ንህንፀት እቲ መገዲ ብር 1 ቢሊየን 980 ሚሊየን 658 ሺሕን 256 ወፃኢ ዝተመደበሉ እንትኸውን፥ ናይ ህንፀት ወፃኢኡ ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሽፈን ኢዩ፡፡

ህንፀቱ ብኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ዝሳለጥ እንትኽውን፥ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ዲዛይንን ሱፐርቪዥንን ኮንስትራክሽን ዘፈር ስራሕቲ ቁፅፅርን ዲዛይንን ትራንስፖርት ድማ ናይ ምምኻር ስርሑ ከምዘሳልጥ ተገሊፁ፡፡

ህንፀት እቲ መገዲ ኣብቲ ከባቢ ዝፈርዩ ፍርያታት ሕርሻ ናብ ማእኸላይ ዕዳጋ ንምብፃሕን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ከባቢ ንምዕባይንከምዝሕግዝ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ስነ-ስርዓት መጀመሪ እቲ ፕሮጀክት፥ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስን ምክትል እሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳውን ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ተረኺቦም፡፡

ብስላባት ማናዬ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.