Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ዳያስፖራታት ኢትዮጵያ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ተወከልቲ ውዳበታት፣ ሙሁራን፣ ኣካላት ኣድቮኬሲን ካልኦትን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ዳያስፖራታት ኢትዮጵያ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ተወከልቲ ውዳበታት፣ ሙሁራን፣ ኣካላት ኣድቮኬሲን ካልኦትን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ብኣተሓባባራይነት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዋሸንግተን ዝተዳለወ እንትኽውን፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መላእ ዓለም ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘቕረቡዎ ፃውዒት ስዒቡ ኢዩ ትማሊ 30 ጥሪ 2013 ዓ.ም ዝተኻየደ፡፡

እቶም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፥ በዓል 4 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፀእ ልዝቦም ዛዚሞም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ደገፍቲ ፅንፈኛ ህወሓት ኣብ ማሕበራዊን ስሩዕ ሚዲያን ንኣለም ለኸ ማሕበረሰብ፣ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኸ ትካላትን ንምስሕሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዘካይዱዎ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ከምዝኹንኑ ገሊፆም፡፡

እዚ ንምምካት ኣበርቲዖም ከምዝቃለሱ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብ ክልል ትግራይን ካልኦት ክላት ኢትዮጵያን ዝተመዛበሉን ህፁፅ ሓገዝ ዝደልዩ ወገናትን ተመሊሶም ንኽጣየሹ ሓገዝ ገንዘብን ኣቑሑትን ክንገብር ኢና ኢሎም፡፡

ምስ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝፍኖ ናይ ሓሶት ፕረፖጋንዳ ኣጥቢቕና ንኹንን፤ ህንፀት እቲ ግድብ ንምዝዛም ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባርና ክንቅፅል ኢና ኢሎም ኣብቲ መግለፂ ቅዋሞም።

ኣብ መግለፂኦም ሱዳን ካብ ዝወረረቶ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብህፁፅ ንኽወፅእ እውን ሓቲቶም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.