Fana: At a Speed of Life!

ግብፂ ኢትዮጵያ ንከይትረጋጋእ ናይ መወዳእታ ኣማራፂ ገይራ እናሰርሐት ምዃና ሓደ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግብፂ ምስ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈላላያት ሃይማኖትን ብሄርን ተጠቒማ ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ናይ መወዳእታ ኣማራፂ ገይራ እናሰርሐት ምዃና ጂዮፖሊቲካል ፊውቸር ዝተብሃለ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።

ንብዙሓት ኣሽሓት ዓመታት ሩባ ኣባይ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ከልካሊ ንብሕታ እናተጠቐመት ዝነበረት ግብፂ፥ ኢትዮጵያ እናሃነፀቶ ትርከብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ብፅሒት ማየይ ክንኪ ኢዩ ብምባል ብዙሓት መልከዓት ዘለዉዎም ዓለም ለኸ ወፍሪታት ካብ ትኸፍት ብዙሓት ዘበናት ከምዝኾኑዋ ዝገለፀ እቲ መፅናዕቲ፤ ኩሉ ፃዕሪታታ ብዘይምቁራፅ ንኢትዮጵያ ተዳኽሉን ኣብቲ ድርድር ሰዓሪት ኮይና ትወፅአሉን መገዲ ሓንፂፃ ትርከብ ኢሉ።

እቲ ትካል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2021 ክፍጠሩ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ግምት ካብ ሞንጎ ዝሃቦም ወሰንቲ ጉዳያት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ብሄራት ክለዓሉ ዝኽእሉ ጎንፂታት መቀፃፀሊት ኮይና ክትሳተፍ ትኽእል ግብፂ ምዃና ዘመላኽቱ መረዳእታቱ ኣቐሚጡ።

እቲ መፅናዕቲ ህንፅት እቲ ግድብ እናቀላጠፈት ምስ ሱዳንን ግብፂን እናተደራደረት ትርከብ ኢትዮጵያ፥ እቲ ግድብ ናብ ምዝዛም እናተቓረበት ከምዝኾነት ገሊፁ።

ነዚ እናረኣየት ምስቕታ ክትርኢ ዘይከኣለት ግብፂ፥ ብቐጥታ ወታደራዊ ስጉምቲ ኣብቲ ግድብ ይኹን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክትወስድ ኢያ ኢልካ ምግማት ከቢድ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.