Fana: At a Speed of Life!

እኒ ሜጀር ጄኔራል ገ/መድህን ፍቃዴ ንብረት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኾኑ 50 መራኸብቲ ራዲዮ ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ከምዝሃቡ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)<span;>እኒ ሜጀር ጄኔራል ገ/መድህን ፍቃዴ ንብረት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኾኑ 30 ክሳብ 40 ነፀለላ ራዲዮታትን 50 ኣብ ዝባን ዝተሓዙ መራኸብቲ ራዲዮታትን ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ከምዝሃቡ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሜጀር ጄነራል ገ/መድህን ፍቃዴ፣ ሜጄር ጄነራል ይርዳው ገ/መድህን ፣ ብርጋዴል ጄኔራል ገ/ህይወት ሲስኖስ ፣ብርጋዴል ጄኔራል ኢንሶ ኢጃጆ ፣ ብርጋዴል ጄነራል ፍስሃ ገ/ስላሴ ፣ኮሎኔል ደሳለኝ አበበን ኮሎኔል እያሱ ነጋሽን ኢዮም።

መርማሪ ፖሊስ ኣብ ዝሰርሖ ስራሕቲ ምርመራ ቀዳመይ ተጠርጣሪ ሜጀር  ጄነራል  ገ/መድህን ፍቃዴ፥ ሓላፊ ዋና መምርሒ  ርክብ ራዲዮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮይኖም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን ኩይናት ብኣመራርሓ ህወሓት ቅድሚ ምጀምሩ እዚ ሰሜን ከመይ ተፈሊዩ ምውቃዕ ከምዝከኣልን ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ከመይ ተጠናኺሩ መጥቃዕቲ ምፍፃም ከምዝኽእልን  ትልሚ ከምዘዳለዉ ገሊፁ።

ብተወሳኺ መራኸብቲ ራዲዮ ምክልኻል ሃገር ኣውፂኦም ንእሉይ ሓይሊ ትግራእ ብምሃብን ብኣካል ብምኻድ ሞገድ ራዲዮ ብምስትኽኻል ሰፊሕ ደገፍ ከምዝገበሩን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መጥቃዕቲ ኸፍፀም ገይሮም ኢዮም ብዝብል ተሳትፎ ገበን ኦቶም ተጠርጣሪ ኣብሪሁ።

ራብዓይ ተጠርጣሪ ብርጋዴል ጄነራል ኢንሱ ኢጃጆ፥ ምስ ቀዳማይ ተጠርጣሪ በቀጥታ ብስልክን ብኣካልን ብምርኻብ ኮዳት ርክብ ራዲዮ ንክቕየሩ ብምግብር ናይ ባዕሉ ተሓባበርቲ ገበነ ብምምዳብ እቲ ተግብር ንክፍፀም መዓራሪ ከምዝነበረ ብምርመራ ከምዝተፈየ ኣብሪሁ።

ሓምሻይ ተጠርጣሪ ብርጋዴል ጄነራል ፍስሃ ገ/ስላሴ ብዘምልከት፥ ኣብ እዚ ደቡብ ሓላፊ ሓበሬታ ኣብዝነበርሉ እዋን ካብ ቀደማይ ተጠርጣሪ ዘይሕጋዊ ትእዛዝ ብምቕባል ርክበ ራዲዮ ብምቁራፅ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝበፅሐ ጉድኣት እዚ ደቡብ ፈሊጡ ሓገዝ ንከይገብር ከምኡ ውን ምስ ማዐከላዊ ኣመራርሓታት ርክብ ንክቋረፅ ሰብ ሞያ ራዲዮ ብምምዳብ የመቻቹ ከምዝነበረ ብምርመራ ከምዝተፈለየ ተገሊፁ።

ም/ኣዛዚ ኦፕሬሽን እዚ ምዕራብ ዝነበሩ  ሜጄር ጄነራል ይርዳው ገ/መድህን፣ ሓላፊ ልምዓት ሓይሊ ሰብ አዚ ደቡብ ዝነበሩ ብርጋዴል ጄነራል ገ/ህይወት ሲስኖስን ፍሉይ ሓጋዚ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ዝነበሩ ኮሎኔል ደሳለኝ አበበን ከምኡውን ዋና ኣዛዚ መበል 33 ክ/ሰራዊት እዚ ደቡብ ዝነበሩ ኮሎኔል እያሱ ነጋሽን ምስ ቀዳማይ ተጠርጣሪ ብምዃን ብሕቡዕ ብምውዳብ ብኣካልን ብስልክን ብምርኻብ እቲ መጥቃዕቲ ብኸመይ ኣገባብን እኒ መን ክፍፅምዎ ከምዝኽእሉን ብምፍላይ ሰባት እንትምድቡን እንተመቻችዉን ክምዝነበሩ ኣብ ዝቐረበ ተሳትፎ ገበን ተገሊፁ።

 

እቲ ገበን እንትፍፀም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ተወሰኽቲ መሰኻኽር ቃሎም ንምቕባል ዝተረፉ ስራሕቲ ምርመራ ንምምፃእን እቲ ብት ፍርዲ ኣብ ግምት ኣእቲዩ ተወሳኺ 14 መዓልቲ ንክወሃቦ ሓቲቱ።

እቶም ተጠርጠርቲ ምስ ጠበቐኦም ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ እቶም ጠበቓታት ኣብዝሓ ስራሕቲ ኣብ እዋን ምርመራ ተሰሪሑ ኢዩ፤ ስለዚ ተወሳኺ እዋን ምሕታቱ ኣግባብ ኣይኮነን ክብሉ መቃወሚ ኣቕሪቦም።

እቲ ገበን ተፈፂሙ ዶ ኣይተፈፀመን ዝብል ብዋና ክርክር ዝረአ ስለዝኾነ ንዝተሓተተ ምኽኒያት ጥራሕ ኣሲሮም ኽፀናሑ የብሎምን ተመጣጣኒ ውሕስና ተዋሂቡዎም ብዋሕስ ክወፅኡ ኣለዎም ክብሉ እውን ሕቶ ውሕስና ሓቲቶም።

ኣብቶም መከራኸርቲ ነጥብታት ምላሽ ዝሃበ ዓቃቤ ሕጊ፥ ኣብዝሓ ስራሕቲ ተሰሪሑ ኢዩ ዝተብሃለ እቲ ገበን ሰፊሕ ብምዃኑ ሰፊሕ ምርመራ ይካየድ ብምህላዉ <span;>ኣብ ግዳጅ ዘለዉ <span;>ኣብቲ እዋን እቲ ገበን እንትፍፀም ዝነበሩ መሰኻኽር ቃል እንቅበል ኣለን ኢሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስን ዓቃቤ ሕጊን ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ናብቲ በታ ብምኻድ ሰፋሕቲ ምርመራታት ብምክያድ ሰፊሕ መረዳእታ ይእክብ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ተጠረጠርቲ ንብረት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኾኑ 30 ክሳብ 40 ነፀለላ ራዲዮታትን 50 ኣብ ዝባን ዝተሓዙ መራኸብቲ ራዲዮታትን ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ከምዝሃቡ እውን እቲ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ገሊፁ።

ብዝውውር ካብ ደበብ ወሎ ዝኸዱ ሰረዊት ምክልኻል ሀገር ዕጥቂ ንከይሕዙ ብምግባር ናይ ባዕልቶም ዝወደብዎም ዕጥቂታት ኣውሂቦም አዐፊነምዎም ከምዝነበሩ ገሊፁ።

ናይ ክልቲኡ ክርክር ዘዳመፀ መጋባእያ ተወሳኺ ምርመራ የድሊ ኢዩ ብምብል 14 መዓላቲ ምእመራ ፈቂዱ።

ብታሪክ አዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana</span;>

<span;>ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/</span;>

<span;>ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision</span;>

<span;>ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!</span;>

<span;>ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!</span;>

</span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;>

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.