Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ጉድኣት ዝበፅሖም ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ንምእታው ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣብ ዝተወሰደ ስጉምቲ ጉድኣት ዝበፅሖም ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ንምእታው እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ናብ ዝነበሩዎ ናይ ምፍራይ ተግባሮም ክምለሱ ንምግባር እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ መጠን ጉድኣት ዘፅዕ ኮሚቴ ኣጣይሹ ናብቲ ክልል ከምዝለኣኸ እውን ተዛሪቦም፡፡

ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ድማ እቲ ሚኒስቴር ነቲ ፀገም መፍትሒ ንምሃብ ድሉው ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ዝነበሩዎ ከይዲ ምፍራይ ንምምላስ ካብ ዝግበር ፃዕሪ ጎድና ጎድኒ ኣብቲ ክልል ፀገም ቀረብ መሰረታዊ ሸቐጣት ከየጋጥም እቲ ሚኒሰስቴር ምስ ተፀዋዕቲ ትካላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዝርራብ ብዕቱብ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

እቶም መፍረይቲ ትካላት ናብ ዝነበሩዎ ምንቅስቓስ ስራሕ ንምምላስ፥ ሓላፍነት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ውልቀሰባትን ሓላፍነቶም ንኽዋፅ ፃውዒት ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.