Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣብ ምጅማር ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ዝዓበየ ብፅት ከምዝተዋፅኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ብዝነበረ ኲናት ምኽንያት ተቛሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣብ ምጅማር ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ዝዓበየ ብፅት ከምዝተዋፅኡ ቤት ፅሕፈት መገዲን ትራንስፖርትን ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ከበደ ኣሰፋ፥ እቲ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ ኩሎም ግልጋሎታት ናብ ንቡር ስረሖም ንምምላስ ብመሰረት ዘመሓላለፎ ፃውዒት ሰራሕተኛታት ብዘይ ስግኣት ኣገልግሎት ንኽህቡ፤ ሰላም እቲ ክልል ኣብ ምርግጋፅ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፌዴራልን ዘይትካእ ግደ ከምዝተፃወቱ ገሊፆም፡፡

ፃውዒት መንግስቲ ብምቕባል ስርሑ ዝጀመረ እቲ ቤት ፅሕፈት እውን ብዘለዉዎ ውሱናት ሰራሕተኛታት ፋይላት ብምውዳድን ዝተሰባበሩ ብምፅጋንን ናብ ስራሕ ብምእታው ንሕብረተሰብ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝርከብ ኣይተ ከበደ ኣሰፋ ገሊፆም፡፡

ሰላም እቲ ክልል ንምርግጋፅ ፀሓይን ቁሪን እንተየሰኮኖም ንኣገልግሎት ወሃብቲ ኣካላት ብምሕላው ስግኣት ፀፅታ ክዝቢ ካብ ምውጋድ ሓሊፉ ቁፅፅርን ክትትልን ዘድሊዮ ግልጋሎት ትራንስፖርት ብኣርባዕቲኡ ኣንፈታት ኬላታት ሕጋዊ ምንቅስቓስ ንኽፍጠርን ካብ ታሪፍ ወፃ ዘኽፍሉ ኣሽከርከርቲ ብምምሃር ፖሊስ ፌዴራል ልዑል ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ፅዕንቶ ስራሕ ንምንካይ ቪሮ መገዲ ትራንስፖርት እቲ ክልልን ፖሊስ ትራፊክን ሰራሕተኛታት ተቖፃፀርቲ ትራንስፖርት መገዲን ናብ ስራሕ ኣብ ምውፋር ኣድላዪ ሓገዝ እናገበሩ ምዃኖም እውን ተዛሪቦም፡፡

ደላዪ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣቐዲሙ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ፣ ዝሓመሙ ሰባት ሕክምና ንኽረኽቡ፣ ቆልዑት ንኽመሃሩ፣ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ም፥ኑ ብምግንዛብ ኣብ ጎኒ ሓይሊታት ፀፅታ ጠጠው ብምባል ዘተኣማምን ሰላሙ ከረጋግፅ ይግባእ ክብሉ መልእኽቲ ምምሕልላፎም ካብ ኮሚሽን ፐፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.