Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ገመድ ተሸከርከርቲ ሓዊሱ ሓደሽቲ ኣማራፂታት ትራንስፖርት ንምጥቃም ይስራሕ ኣሎ – ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ገመድ ተሸከርከርቲ ሓዊሱ ሓደሽቲ ኣማራፂታት ትራንስፖርት ንምጥቃም እናተሰርሐ ክዝኾነ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘዳለዎን ኣድህቡኡ ኣብ ጉዳያት ፖሊሲ ምስ ዝገበረ መድረኽ ዘተ “ፖሊሲ ማተርስ” ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት፥ ዘፈር ትራንስፖርት ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡

ፖሊሲ ትራንስፖርት እታ ሃገር ምሕንፃፅ ቀዳማይ ተግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ፖሊሲ ኣብ ገመድ ተሸከርከርቲ ሓዊሱ ሓደሽቲ ዘበናዊ ኣማራፂታት ትራንስፖርት ዘካተተ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

የመጀመሪያ የሆነው የትራንስፖርት ፖሊሲ ዘርፉን እንዴት ማዘመን እንደሚቻል ግልጽ መመሪያን የያዘ መሆኑንም አስረድተዋል

ፈላማይ ዝኾነ እቲ ፖሊሲ፥ እቲ ዓውዲ ምዝማን ከምዝከኣል ግልፂ መምርሒ ዝሓዘ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ምስ ሎጂስቲክስ ተተሓሒዙ ዘሎ ኣሰራርሓ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ስትራቴጂ ተዳሊዩ ከምዝፀደቐ እውን ኣገንዚበን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንእግረኛታትን መብዛሕተኦም ክፋላት ሕብረተሰብን ቅድሚት ዝወሃቦ ስትራቴጂ ምንቅስቓስ ሞተር ኣልቦ ትራንስፖርት ምፅዳቑ እውን ገሊፀን፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብ ፃንሒተን፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ካብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ንጎረባብቲ ሃገራት ማእኸል ሎጂስቲክስ ናይ ምዃን ትልሚ ከምዘለዋ ተዛሪበን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.