Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ዓመት ኣብ ሊቢያ ብውሑዱ 284 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012(ኤፍቢሲ)ኣብ ዓመተ 2019  ኣብ ሊቢያ ብውሑዱ 284 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፃብ ኣብ ሊብያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል እናተበኣኣሰ ምዃኑ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቓል ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራ መንግስታት ሩፔርት ኮልቪል፥ ኣብዚ ዐመት ዝተመዝገበ በዝሒ መወትቲ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ልዕሊ ርብዒ ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት፣ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ዝበፅሑ ዘለዉ መጥቃዕቲታት፣ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከምኡ እውን እስራት ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ምብፅሑ እውን ተዛሪቦም።

ንብዙሓት ሰባት ሕልፈት ምኽንያት ዝኾነ ደብዳብ ነፈርቲ፥ 182 ሰባት እንትሞቱ 212 ሰባት ድማ መጉዳእቲ ኣካል ኣጋጢሙዎም ተባሂሉ።

እቶም ኣቐባሊ ቓል፥ ኣብታ ሃገር ብዝተፈጠረ ጎንፂ ምኽንያት 343 ሺሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን 100 ሺሕ ዝኾኑ ናይ ምምዝባል ስግኣት ከምዘለዎምን ገሊፆም።

ፍልፍል፦ middleeastmonitor

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.