Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ መርህ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ምምሕዳር ዕዳ ትኽተል ኣላ – ሚኒስትር ገንዘብ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ መርህ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ምምሕዳር ዕዳ እናተኸተለት ምዃና ሚኒስትር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ኣመሓድራ እናተግበሮ ኣብ ዝርከብ ኣሰራርሓ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን መርህ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ስርዓት ኣመሓዳድራ ዕዳ እናተኸተለት ከምዝኾነት ኣፍሊጡ፡፡

ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ብማዕቐፍ ኣገልግሎት ልቓሕ ጉጅለ ሃገራት 20 ኣቢላ ካብ ዓለም ለኸ ልቓሕ ወሃብቲ ሃገራት ሰነድ ስምምዕነት ምፍርራማ እቲ መግለፁ ኣዘኻኺሩ፡፡

እቲ ስምምዕነት ሃገራዊ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ዘእተወን ፅዕንቶ ኮቪድ 19 ንምፅዋር ዝዓለመ ከምዝኾነን ተገሊፁ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ፅዕንቶ ዕዳን ልቓሕን ዘስዕቦ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ንምንካይ እናተሰርሕ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ገምጋም ዘላቕነት ዕዳ እውን ብዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ኣቢሉ እናተዳለወ ከምዝኾ ኣብሪሁ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ስርዓት ኣመሓድራ ዕዳ እታ ሃገር ተቓላዕነት ኣብ ምፍታሕ ተወሳኺ ኣማራፂታት ዕቤት ከምፅእ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.