Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ መንግስቲ ክልል ሶማሌ ኣብ ኣርባዕተ ዛዕባታት ኣድሂቡ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ መንግስቲ ክልል ሶማሌ ኣብ ኣርባዕተ ዛዕባታት ኣድሂቡ ተዛቲዩ።

እቲ ካቢኔ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ ሙሓመድ ሓዊሱ ኩሎም መፈፀምቲ ኣካላት ተረኺቦም።

ኣብቲ ኣኼባ ዝዝተየሎም ዛዕባታት ድማ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመተ 2013 ምግምጋም፣ ረቂቕ ኣዋጅ መጣየሺ ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ እቲ ክልል መርሚርካ ምፅዳቕ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦርድ ምልክታ ቋንቋ ሶማሌኛ ምስትኽኻል መምርሒ ምግባርን ተወሳኺ በጀት እቲ ክልልን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣባላት እቲ ካቢኔ ኣብቶም ዝቐረቡ ዛዕባታት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መብርሂን ገለፃን ምስተወሃቦም፤ ረቂቕ ኣዋጅ መጣየሺ ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ እቲ ክልል ክብራህርሁ ዝግበኦም ጉዳያት ስለዘለዉዎ ንኻሊ እዋን ክመሓላለፍ ዝወሰነ እንትኸውን፥ እቶም ካልኦት ዛዕባታት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ እቶም ዛዕባታት ናብ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ከምዝቐርቡ ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ጉዳያት እተ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.