Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኣብ ከተማታት ተሓፂሮም ዝፀንሑ ናይ ልምዓትን ሓሳባትን ናብ ካልኦት ከባቢታት ዘስፋሕፍሕ ኢዩ – ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኣብ ከተማታት ተሓፂሮም ዝፀንሑ ናይ ልምዓት ሓሳባት ናብ ካልኦት ከባቢታት ብምስፋሕ ኣማራፂታት ኢኮኖሚ ዓቢዪ ረብሓ ከምዘለዎ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣባል ብሄራዊ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ እቶት መኣዲ ንሃገርን ኣተሓባበሪ ዘፈር ውልቀን፤ ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ፕሮጀክት ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ካብ ተረባሕነት ዘፈር ውልቀን ሓሊፉ ኣብ ቁጠባዊ ሃፍቲ ሃገር ዘለዎ ብፅሒት ዕዙዝ ከምዝኾነ ኢዩ።

ምህናፅ እቲ ፕሮጀክት ንሰላምን ሓድነትን ዝፃወቶ ግደ ልዑል ስለዝኾነ፥ ዘፈር ውልቀ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘለዎም ተሳትፎ ትፅት ካብ ዝተገበረሉ ንላዕሊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብኣፈወርቅ ኣለሙ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.