Fana: At a Speed of Life!

ትካል ገንዘብ ዓለም ንኢትዮጵያ ብመልክዕ ልቓሕን ሓገዝን ዝወሃብ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይ.ኤም.ኤፍ) ኣብ ሰለስተ ዓመት ተግባራዊ ዝግበር ብመልክዕ ልቓሕን ሓገዝን ንኢትዮጵያ ዝወሃብ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘፅደቐ ኣፍሊጡ።

እቲ ገንዘብ ንመፈፀሚ መርሃ ግብሪ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኩለመዳይ ለውጢ ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ናብራ ህዝቢ ንምምሕያሽን ልዑል ግደ ዘለዎ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ቦርድ ዝሃቦ ውሳነ፥ 308 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ብህፁፅ ክስደድ ኢዩ።

ዝተረፈ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ተተካኢ ማኔጂንግ ዳይሬክተርን ተተካኢ ኣቦ መንበርን እቲ ትካል ዴቪድ ሊፕቶን ከምዝበልዎ፥ ብጠንካራ ፖሊሲ ዝተመርሐ ጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ኣመዝጊቡ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ድኽነት ካብ ምቕናስ ብተወሳኺ ናብራ ህዝቢ ምምሕያሽ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ብኢንቨስትመነት መንግስቲ ተደጊፉ ዝፍፀም ምዕባለ ብምዃኑ፥ ናይ ባዕሉ ሕፅረት ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ሚዛን ማክሮ ኢኮኖሚ ንምስትኽኻል፣ ግዳማዊ ፅዕንቶን ልቓሕን ንምቕናስ፣ ሕፅረት ገንዘብ ንምምላእን ብሰብ ውልቀ ሃፍቲ ንዝምራሕ ምዕባለ መሰረት ንምምባርን ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እቲ መርሃ ግብሪ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምክልኻል፣ ግዳማዊ ልቓሕ ንምምጥጣን፣ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዘለዋ ትካላት ንግዲ ናብ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ንምዝውዋር ዝተትሓዘ ትልሚ ንምድጋፍ፣ ምርግጋዕ ፋይናንስ ንምድጋፍን ኣተኣኻኽባ ናይ ውሽጢ ኣታዊ ንምዝማንን ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ቁፅፅር ገንዘብ ብምሕያል ናህሪ ዋጋ ንምክልኻል፣ ንዓውዲ ውልቀ ዝወሃብ ኣቕርቦት ልቓሕ ኣተኣማማኒ ንክኸውን ንምግባርን ተወዳዳሪነት ንምዕባይን ዘኽእል ከምዝኾነ ዴቪድ ሊፕቶን ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.