Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪያት ኣብ ክልል ትግራይ እናተገበረ ብዛዕባ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪተን ምስ መተሓባበሪት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትጵያ ዶክተር ካትሪን ሶዚን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ክልል ትግራይ እናተገበረ ብዛዕባ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪተን ምስ መተሓባበሪት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትጵያ ዶክተር ካትሪን ሶዚን ተዛቲየን።

እተን ሚኒስትር፥ ኣብቲ ክልል ግጋሎት መገዲ፣ ባንኪ፣ ከምኡ እውን ግልጋሎት ቴሌኮም ናብ ንቡር ኩነታት እናተመለሰ ከምዝርከብ ተዛሪበን።

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ፅዕንቶ ዝበፅም ወገናት መሊስካ ንምጥያሽ ልዑል ትኹረት ገይሩ ኣድላዪ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዝተዛበዓ ሓበሬታ እናተጋወሐ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰበን እውን ተዛሪበን።

ዶክተር ካትሪን ሶዚ ብግደአን፥ እቲ ኩነታት ስዒቡ መንግስቲ እናገበሮ ዝርከብ ምለሽ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ምስቲ ኩነታት ተተሓሒዙ ዝጋውሑ ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ብትካለን ኣቢለን ንምፅራይ ከምዝንቀሳቐሳ ኣብሪሀን።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ እዛ ሃገር ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ክልቲኦም ኣካላት ምትእስሳሮም ኣጠናኺሮም ብሓባር ከምዝሰርሑ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.