Fana: At a Speed of Life!

ብምክትል ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፈረንሳይ ዝምራሑ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ፈረንሳይ ኣብ ከተማ ኣክሱም ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፈረንሳይ ሌተናል ጀነራል በርናርድ ባሬራን ዝመርሕዎም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፈረንሳይ ኣብ ከተማ ኣክሱም ዑደት ኣካይዶም።

እቶም ኣባላት ትማሊ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተረኺቦም ሓወልትታት ኣክሱም፣ ንግስተ ሳባ፣ ጎቦታት ዱራን ካልኦት ኣብ ከተማ ኣክሱምን ከባቢኣን ዝርከቡ ታሪኻዊ ቦታታትን ሓድግታትን ሃዊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ዓድዋን ከባቢአን ዝርከቡ ታሪኻዊ ቦታታት እውን ዑደት ኣካይዶም እዮም።

ምምሕዳር ከተማ ኣክሱም መግለፂ ስልጣነ ትግራይ ዝኾነ ሓወልቲ ኣኽሱምን ዓለባ ዓድን ነቶም ዑደተኛታት ኣበርኪትሎም እዩ።

ፍልፍል፦ድወት!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.