መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ንልምዓት ትምህርቲ ደገፍ ንዝገብሩ ዝነበሩ ኣካላት ኣፍልጦ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ንልምዓት ትምህርቲ ደገፍ ንዝገብሩ ዝነበሩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ኣፍልጦ ሂቡ።
ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ዩኒቨርሲቲታት ፣ ሰብህፍቲ ፣ መምህራን ፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ዘመዝገቡ ዞባታትን ወረዳታትን ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም።
ኣብ ዓውዲ ልምዓት ትምህርቲ፥ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ልዕሊ 34 ሺሕ 200 መምሃሪ ክፍልታት፣ ልዕሊ 3 ሺሕ ኣብያተ መፃሕፍትን ልዕሉ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን መፃሕፍትን ከምዝተኣከበ ተገሊፁ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!