Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ምስ ፕሬዚዳንት ትካላት ኮንስትራክሽን ቻይና ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ምስ ፕሬዚዳንት ትካላት ኮንስትራክሽን ቻይናን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ሎሚ መዓልቲ ተዛቲየን።

ኢትዮጵያ ንቐፀልቲ 10 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ክትዓሞ ዝሓዘቶ ትልሚ ብዝምልከት ዝተዳለወ ሰነድ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ልዝብ ከምዝተገበረሉ ተሓቢሩ።

ትካላት ኮንስትራክሽን ቻይና፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ እትገብሮ ኣብ ዘላ ኩለ መዳይ ምንቅስቓስ ዝህልዎም ብፅሒት ልዑል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ምስ እቶም ትካላት ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ትኹረት ብምግባር ዘተ ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ቻይና ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ቅልጡፍ ምዕባለ ኢኮኖሚ ከምዘላ ብምሕባር ብሓባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ፈላሚት ሳተላየት ብምሕምባባ “እንኳዕ ደስ በለኩም” ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.