Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ዳያስፖራ ኣብ ወፊሪ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣባላት ሰራዊት 160 ሺሕ ዶላር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቤት ምኽሪ ዳያስፖራ ኣብ ክል ትግራይ ኣብ ዝነበረ ወፊሪ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር 160 ሺሕ ዶላርን 2 ሚሊይን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ንውቲ ሕክምናን ደገፍ ገይሩ።

ፀሓፊ እቲ ቤት ምኽሪን መራሒ ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽን ኣይተ ዳዊት ጋላሶ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ዳያስፖራ ኩነታት ሃገሮም ብንቕሓት ከምዝከታተሉ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ንምብትታን ብጁንታ ህወሓት ኣቢሎም ዝንዝሑ ፕሮፖጋንዳታት ኣብ ዳያስፖራ ስግኣት ፈጢሮም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ መንግስቲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽር ሕጊ ውፅኢታዊ ስራሕ ተፈፂሙ ኢዩ ኢሎም።

በዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ዝነበሮም ስግኣት ከምዝተቐረፈ ገሊፆም።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝጣየሽ 6 ኣዋርሕ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝተፈላለየዩ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ብምትሕብባር ልዕሊ 364 ሺሕ ዶላር ከምዝኣከበተዛሪቦም።

ካብዚ ድማ ኣብ ወፊሪ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣባላት ሰራዊት 160 ሺሕ ዶላር ደገፍ ገይሩ ኢሎም።

ዝተረፈ እውን ኣብ ሓፂር እዋን ነሚኒስቴር ምክልኻል ህገር ከምዘረክቡ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ኣክስዮን ማሕበር ዘሉሲ ትሬዲንግ ንሰራዉት ምክልኻል ሃገር 85 ሺሕ ብር ኣበርኪቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.