Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ተመረቕቲ ተምሃሩኡ 20ን 21 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኲሓ ካምፓስ ተቐቢሉ ከምዘምህር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ተመረቕቲ ተምሃሩኡ 20ን 21 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኲሓ ካምፓስ ተቐቢሉ ከምዘምህር ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ገብረእየሱስ ብርሃነ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ “ኣብ ክልል ትግራይ እናተወሰደ ብዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኲሓ ካምፓስ ክጅምር ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ብዝተገበረ ዘተ ተመረቕቲ ተምሃሮ ተቐቢሉ ንምምሃር ከምዝተዳለወ ገሊፆም።

ተምሃሮ ይኹኑ ወለዲ ስግኣት ድሕንነት እንተይሓደሮም በቲ ዝተቐመጠ ገደብ እዋን ክርከቡ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.