Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ክልተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ለኮማ ትማሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ክልተ ሰባት እንተሓልፍ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣካል ምብፅሑ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

መራሒ ጉጅለ ከይዲ ስራሕ ምቁፅፃርን ድሕንነትን መገዲ ትራፊክ እቲ ቤት ፅሕፈት ኢንስፔክተር ለኣለም ጥላሁን ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ትራፊክ ካብ ከተማ ኣዲስ ቅዳም ናብ ኣዲስ ኣበባ ፈሓም ፅዒኑ እናተጉዓዘት ዝነበረት ኤፍ ኤስ ኣር መኪና ምስ ሚኒባስ መኪና ብምግጫዋ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ናይ ፅዕነት መኪና ዝነበሩ ክልተ ሰባት ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣካልን ምዕናው ንብረትን ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ካልኦት ቀሊል ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት እውን ሕክምና ተገይሩሎም ናብ ገዝኦም ምምላሶም ኣብሪሆም፡፡

ኣሽከርከርቲ ቅልጣፈኦም ነኪዮም ብምግናሕ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን እናበፅሐ ዝርከብ ጉድኣት ክከላኸሉ ከምዝግባእ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ኮሙዩኒኬሽን ጉዳያት ፋግታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.