Fana: At a Speed of Life!

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ያፓራክ ኣለፐ ተዛቲዮም።

ኣይተ ኣደም ፥ መነግስቲ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ መብርሂ ሂቦም።

እቲ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት ካብ ጉባኤ መፅራይ ሕገ መንግስቲ ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ንምንዋሕ ብመሰረት ዝቐረበሉ ውሳነ ሓሳብ ንክናዋሕ ከምዝወሰነ እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ብዘይካ ክልል ትግራይ ኩለን ክልላት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝወሰኖ ሕገ መንገስታዊ ውሳነ ኣኽቢረን ተፈፃሚ ከመዝገበራ ሓቢሮም።

ኣመራርሓ ህወሓት ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብዝተፃረረ መገዲ ኮሚሽን ምርጫ ክልል ብምጥያሽ ዘይሕጋዊ ምርጫ ከምዝገበሩ ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ኣዝዩ ኣነዋሪ ብዝኾነ ኩነታት መጥቃዕቲን ክሕደት ሃገርን ምፍፃሙ ስዒቡ መነግስቲ ፌዴራል ተገዲዱ ናብ ምኽባር ሕጊ ከምዝኣተወ እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣረዲኦም።

እቲ ወፍሪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተዛዚሙ ገበነኛታት ናይ ምህዳን፣ ዝተመዛበሉ ዜጋታትን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን መሊስካ እግሪ ናይ ምትካልን ምህናፅን ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ዜጋታት መሊስካ እግሪ ናይ ምትካልን ሰብኣዊ ሓገዛት ናይ ምቕራብን ስራሕቲ ዝሰረሕ ኮሚቴ ብምጥያሽ ህዝቢ ብምትሕብባር ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ያፓራክ አለፐ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ለውጢ ኣዝዩ ዝተባባዕ ምዃኑ ብምንኣድ ንውፅኢታውነቱ መንግስቲ ቱርኪ ድጋፍ ልምዓትን ምትሕብባርን ከምዘይፍለዮ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ብምስሓብ ካብ ኣፍሪካ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ከምእትርከብ እውን ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.