Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ፥ ፕ/ር ሂሩት ንኮሚሽነር ትምህርቲ፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ሕብረት ኣፍሪካ ብሕፁይነት ምቕራበን ደገፎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ንኮሚሽነት ትምህርቲ፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ሕብረት ኣፍሪካ ብሕፁይነት ምቕራበን ደገፎም ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ፥ ፕሮፌሰር ሂሩት ነቲ ቦታ ትኽክለኛ ሕፅይቲ ኢየን ኢሎም።

ፕሮፌሰር ሂሩት ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ብምዃን ዘገልገላ እንትኾና፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣማኻሪት ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ዘገልግላ ዘለዋ ኢየን።

ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንኮሚሽነት ትምህርቲ፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ሕብረት ኣፍሪካ ብሕፁይነት ምቕራበን ይዝከር።

ፕሮፌሰር ሂሩት ኢትዮጵያ በምውካል ኢየን ብሕፁይነት ቀሪበን ዘለዋ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.